Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Igziabher Selamna Iyu | እግዚኣብሔር ሰላምና ኢዩ

Added by Admin

እግዚኣብሔር ሰላምና ኢዩ’ሞ ኣይንህወኽን
ብፍቅሩ ክንነብር ኢና ንዘልዓለም

ከም ናትካ ኣይኮነን ሰላም ዓለም
ንግሆ በሪሁ ምሸት ጸላም
እቲ ናትካ ግና ምሉእ ፍጹም
ምሳና ይነብር ንዘልዓለም
………ኣዝ……..
መርከብ ዝሰበረ እንተነጎደ
ዘቃጽል ሓዊ እንተ ነደደ
ስምካ ሓይልና ባዕሉ የጽንዓና
ልብና የዕርፍ ዝድግፈና
………ኣዝ………
ፍቅሪ ውሽጥና እናቀጸለ
መዓልትን ለይትን ንዓካ እናበለ
ኣብ ቤት ማእሰርቲ መንጎ ሰንሰለት
ጸጋ መሊእና ብናትካ ምሕረት
…….ኣዝ……….
ክሲ እናብዝሑ ከናውጸና
ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ ንሞት ክህበና
ሃሪ ኣንበሳ ትርኣስ ኮይንና
ሰላም ውዒልና ሰላም ደቂስና
………….ኣዝ………….