መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Igziabher Ridani Beti Chernetka | እግዚኣብሔር ርድኣኒ በቲ ቸርነትካ

Added by Admin

እግዚኣብሔር ርዳኒ በቲ ቸርነትካ /2/
ዕድመ ንንስሓ ከም ህዝቀያስ ሂብካ
ነቲ ጠዋይ ልበይ ብቃልካ ሓዲስካ
ኣይፈልትን ኢሉ ቃሉ ንዝሃበ
ደርሆ ከይነቀወ ንኣምላክ ዝኽሓደ
ከምክረምቲ ዝናም ሂብካዮ ንብዓት
ንስሓ ክኣቱ ጴጥሮስ ተጸጺቱ
(ኣዝ)
ጽዉኡ ከይበጽሓኒ ናይ ይሁዳ ዕድል
ምሳኻ ዊዒሉ ምሸት ምኹብላሉ
ብኽያት ተማሂሩ ዕድለኛ ጴጥሮስ
ብትዕቢት ይሁዳ ወጺኡ ከይምለስ
(ኣዝ)
ኣብ ዝሙት ወዲቃ ኣብ ኩሉ ዘመና
ጎይታ ጸዊዑዎ ናብኡ እንደገና
ማርያም መግደላዊት ኣብ እግሩ ተደፊኣ
ብብዝሒ ንብዓታ ትንሳኤ ተራእያ
(ኣዝ)
እዚ ዓምጺ ልበይ ማዓስ ይድቅስ
ብሓሳብ ብዝሙት ብስርቆት ይሕንብስ
ንናብ ቀደም ግብሩ ንከይምለስ
ፍቅርካ ሓዲሩ ሓጥያተይ ደምስስ
(ኣዝ)
ትኩሉ በደልና ንኩሉ ገዲፍካ
ምስ ጻድቃን ቆጺርካ ኣብ ዳግማይ ምጻኣትካ
ጻዕዳ ተከዲና ኩላትና ምሳካ
ናብ’ቲ ዑሙር ዳስካ ኣእትወና ኢካ
(ኣዝ)