መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Nehase 11, 2018 — Monday, August 17, 2026 ✦ Fast: Tsome Filseta (Fast of the Virgin Mary) — A 15-day fast leading up to the feast of the Assumption of the Virgin Mary.
← All mezmur

Hjido Temelise (ሕጂዶ ተመሊሰ)

Added by Mezmur Tewahdo Admin

ሕጂዶ ተመሊሰ️

ሕጂ'ዶ ተመሊሰ ንድሕሪት ጠሚተ
ኣእምሮይ ክዝመት ዓይነይ ትዓሚተ (2)

ጀሚሮዮ ኢንድየ ኣብቲ ናይ ፈለማ
ቅዱስ ቅንኢ እሕድረ ፍታዊ ብዕላማ
መንፈስ እግዚኣብሔር ብከመይ ኪምኖ
ድኩም ኮይነ እምበሪ ልሳኑ ዘይኮኖ

ትምክሕቲ ሓሲበ ንቤቱ ከይጥሕስ
ልቦና ከጥሪ ሪመይ ንክወርስ
ሰማያዊ ጸጋ ዝባነይ ክፈሶ
ሕጂ'ዶ ተሰሜ ርስቱ ዝከሓዶ

ሕጂ'ዶ ተመሊሰ ንድሕሪት ጠሚተ
ኣእምሮይ ክዝመት ዓይነይ ትዓሚተ

ንሕልናይ ኣብየ ናይ ነባሪ ሩፍታ
ንስጋይ ገሲጸ ከሊኤያ በፍታ
ኣምሪጸያ ነብሰይ ካብ ኵሉ ኣብሊጸ
ኣይፋለይን ኢላ ሓዘን ምስ ትካዘ

ብመንፈስ ጀሚረ ከይውድእ ብስጋ
ክብሪ ውልድነት ከይዎርዶ ሓደጋ
ዕርፊ ሒዘ ኣይጥምትን እየ ንድሕሪይ
ብሓይሊ ኣምላከይ ከሳጉም ንቅድመይ

ሕጂ'ዶ ተመሊሰ ንድሕሪት ጠሚተ
ኣእምሮይ ክዝመት ዓይነይ ትዓሚተ

ብደም አማኑኤል እያ ተዓዲጋ
ክምሕል ከይጠልማ ብናይ ዓለም ዋጋ
ኣነስ ትኣዚዘ ክሕሉ ክብረታ
ጻብእቲ ክካላከል ሓጢኣት'ውን ከይብሕታ

መሪጸ'ለኩ ኣነ ዘይደሓረ ሕጂ
ክመርሓ ሕይወተይ መንፈሳዊ ዓውዲ
ምኣስ ብቅልጽመይ ንኣንፈይ ዝግስግስ
ጾም ጸሎት ሓዊሴ ንስሙ ክቅድስ

ሕጂ'ዶ ተመሊሰ ንድሕሪት ጠሚተ
ኣእምሮይ ክዝመት ዓይነይ ትዓሚተ (2)