መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Hizikel Zbela | ህዝቅኤል ዝበላ

Added by Admin

ህዝቂኤል ዝበላ ዕጽውቲ ገዛ
ኣትዩ ዝወጸላ ጎይታ ብዕጽውታ
ናይ ኣምላኽ መሕድሪ’ያ
ማንም’ዩ ዘይኣተዋ ንጽህቲ ኣዴና
ናይ ድሕነት ምልክት ንጽህቲ ኣዴና
ካብ ኣምላኽ ብሓጢያት ሪሒቕና ነበርና
ምሳና ክዕረቕ መንጎኛ ጌርዋ ንዑ ነምስግና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ገብርኤል ብስራት ኣበሲርዋ
ደስ ይበልኪ ድንግል ተፈስሂ ኢልዋ
ናይ ዓለም መድሃኒት ኣባኪ ሓዲሩ ኽውለድ ኢዩ ኢልዋ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ካብ ኣንስቲ ኹለን ዝተፈለኺ
ናይ እሳት መለኾት መሕደሪ ዝኾንኺ
ድንግል ብሕልና ድንግል ብስጋኺ መን ኣሎ ከማኺ
- - - - - ኣዝ - - - - -
መትህተ ፈጣሪ ዝተባሃልኺ
መልእልተ ፍጡራን ንስኺ ኢኺ
ምስራቃዊት ብርሃን ዝተመሰልኺ ኣደ ሕይወት ኢኺ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ብመንን እንታይን ኽንምስለኺ
እጹብ ድንቂ ኢዩ ተሰሪሑኺ
ኣብ ህርያቆስ ዝመስኸረልኺ ናትና ተስፋ ኢኺ
- - - - - ኣዝ - - - - - -