Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Hiywetey Bkalkha | ሕይወተይ ብቃልኻ

Added by Admin

ህይወተይ ብቓልኻ ኣምላኽ እንተዝምራሕ
ምጠዓመ ነይሩ ንዓኻ እንተዝፈርሕ
ስለ ዝሃብኻኒ እግዚኣብሄር ጸጋኻ
ጸልማት ትኣልዩ በርሁ ብርሃንኻ
ኣብ ህይወተይ ኣብ ዘመነይ ደስ ዝበለኒ ንዓይ /2/
ብወንጌል ምእማነይ /2/
ናበይ’ኸ ክኸይድ ኻባኻ ተፈለየ
ኣብ ቤትኻ ክነብር ፍቕሪኻ ጥዕመ
ክንደይ ትፈትወኒ ኣምላኽይ ንስኻ
እንታይ ክህበካ ንፍጹም ፍቕርኻ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ክንደይ ትፈትወኒ ኣምላኸይ ንስኻ
እንታይ ክህበኻ ንፍጹም ፍቕርኻ
ምሳኻ ክነብር ምሳኻ ክመውት
ንቓልኻ ክፍጽም ብሓቂ ብለውሃት
- - - - - - ኣዝ - - - - - -