መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Nehase 11, 2018 — Monday, August 17, 2026 ✦ Fast: Tsome Filseta (Fast of the Virgin Mary) — A 15-day fast leading up to the feast of the Assumption of the Virgin Mary.
← All mezmur

Hiwetu Mulue-ህይወቱ ሙሉእ

Added by Mezmur Tewahdo Admin

ሕይወቱ ምሉእ ኣብ እግዚኣብሔር ተወኪሉ
ንእግዚኣብሔር ኣሚኑ ንስሙ ኣልዒሉ
ተሓዲጉ ወይ'ሲ ሓፊሩ
ዝብል ዛንታ'ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ እስኪ ንገሩ
በዘን ኣዕይንትና ኣይረአናን ብኣእዛንና ኣይሰማዕናን
ኣይተጻሕፈን ኣየንበብናን ኣቦታትና'ውን ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ኣይነገሩናን

ተስፋ ቖሪጹ እቲ ድኹም ልብና ጓሂ ክድፍኦ
ኲሉ እንክጸምም ጸገምና ከይሰምዖ
ኣይሓደገናን ኣይመነነናን (2)
ከምዚ ኢኻ ከምቲ ከይበለ ብልግሲ ናብዩና

ዑረት የዒይንተይ ብወገን ዘመደይ ከም መርገም ክቚጸር
ስመይ ምግዱር ኮይኑ ካብ ሰባት ክግለል
ጸልማት ሕይወተይ ብኣኻ በሪሁ (2)
ኣብ ውሽጠይ የንጀርብብ ኣሎ ሰላመይ መሊኡ

ዓለም መሪራ ብነፍሲ ብስጋ ፆራ ክኸብደኒ
እሾኽ ኣሜከላ ዙርያይ ክኸበኒ
ሸኽመይ ኣቕሊልካ ኣናጊፍካኒ (2)
ንዓኻ ዝህቦ ጎይታይ ኣነ እንታይ ኣለኒ

ጒድጓድ ኣናብስ ክወርድ ክስንዶ ብምኽሪ ረሲኣን
ዳንኤል ሞይቱ'ዩ ክውረ ባቢሎን
ንግደ ኣስናኖም ኣይወፈየንን(2)
ብዓይነይ ርኤዮ ኣለኹ ናይ ኣምላኸይ ምድሓን