Hayli Rekibe Iye | ሃይሊ ረኪበ ኢየ
Added by Admin
ሓይሊ ረኪበየ ጎይታይ
ጸጋይ’ውን በዚሑ ኣምላከይ
ብስምካ ኣሚነ ብጸጋ
ቤትካ ሓዲረ’የ ውሉድካ
መከራ ክበዝሕ መዓስ ገዲፍካኒ
ኣይርስዖን’የ ኤልሻደይ’ዩ ጎይታይ
እኩይ ብምሕሳቡ ኣምላከይ ፈሪዱ
ጎቲቱ ኣውጽኡኒ መልኣኩ ሰዲዱ
……..ኣዝ…….
በገና ከዋድድ ከምኡ ‘ውን ውዳሴ
ኣይምካሕን’የ ንስኻ ኢኻ ሓይለይ
ናይ ሲኦል ካባ ኣውጺኻ ደርቢኻ
ብሓዲሽ ክብሪ’ውን ኣልቢስካኒ ኢኻ
…………..ኣዝ………….
ልዕል ተብል ኢኻ ንዝተሓቱ ኹሎም
ብሩኽ ኢኻ ጎይታይ ንስኻ ተስፍኦም
ወጽየ ካብቲ ሓዊ ካብቲ ዘቃጽል
ብሓድሽ መንፈስ’ውን እንሆ የመስግን
………..ኣዝ………..
ካብ መስቀል ውዒልካ ሂወት ሂብካኒ
ካባኻ ንላዕሊ መን ኣርእዩኒ ፍቅሪ
ንምስጢረይ ኩሉ ነጊርካኒ ጎይታይ
ብክብሪ ጸጋኻ ኣሊኻ ሂወተይ
………ኣዝ………….
