Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Hayli Bizihbeni Bikiristos | ሓይሊ ብዝህበኒ ብክርስቶስ

Added by Admin

ሓይሊ ብዝህበኒ ብክርስቶስ ንኩሉ ክክእሎ ኢየ
ፈተና ተመጸ ንሰናይ’ዩ ይእምን ‘የ (2)

ኣእዳወይ ኣሲሮም ኣንተገፊዑና
መከራ ኣብዚሖም እንተጨነቁኒ
ንሰናየይ ኢለ ተስፋ ክገብር’የ
ዝበልካዮ ኩሉ ክግዝኣካ’የ
…….ኣዝ…….
ትማሊ ንስኻ ሎሚ ንስኻ ኢካ
ምስ ግዜ ዘይቅየር ዘይሃስስ ፍቅርካ
ንዓካ ምስጸዋዕኩ መኣስ ከፊኡኒ
ጸላእተይ ፈኪሮም መኣስ ይስዕሩኒ
……..ኣዝ……..
ብብዝሒ መከራ ኣብራከይ ደኪሙ
ብሓዘን ብጭንቀት ተስፋይ’ውን ሃዲሙ
ዝኮነ እንተኾነ ንዓኻ ኸኽብር
ዓድለኒ ጸጋ ጎይታይ ናትኻ ፍቅርካ
……ኣዝ….
ካብ ሃገር ወጺአ በረካ ምስዳደይ
ኩሉ ገዲፈ ኣርሒቀ ምኻደይ
ንሰናይ ኢዩ’ሞ መኣስ ከፊኡኒ
ፈጺመ ከይጠፍእ ጎይታይ ደግፈኒ
……..ኣዝ……