Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Hayilka Kiglets Ab Semay | ሓይልካ ክግለጽ ኣብ ሰማይ

Added by Admin

ሓይልኻ ክግለጽ ካብ ሰማይ /2/
ጎይታ መን እዩ ደው ዝብል ቅድሚኻ/2/

ኣቤት ቀንዲ መለኸት ክንፋሕ……………
ኣዎጅ ክእወጅ ብገፊሕ
ጻድቃን ክቖሙ ብየማኑ
እንታይ’ዩ እቲ ናትና ዕድል
ኣዝ
ኣቤት ማዕጾ ሰማይ ክኽፈት
መላእክት ክነፍሑ መለኸት
ዘይተራእየ ፍሉይ ግርማ
ድምጺ ክስማዕ ካብ ራማ
ኣዝ
ኣቤት ሸውዓተ ንፋስ ነፊሶም
ክህውኩ ንኩሉ ዓለም
ክእዘዝ ናይ ባህሪ ምገድ
ቀጥቀጥ ይብሉ ከናፍራት
ኣዝ
ኣቤት ክጽውዑ ጻድቃን ቅዱሳን
ሰናይ ዝገበሩ ብሩካን
ዘውሃለልዎ ቱርፋት
ከቕርቡ ንኣምላክ ስብሃት
ኣዝ
ኣቤት ሓጢኣን ክጽውዑ ንፍርዲ
ክኣትው ጋሃነብ ነዳዲ
ዘይጠቅም ብኽያት ኮይኑ
ውርደት ይኸውን ሓዘኑ
ኣዝ