መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Hayal’yu Amlakey | ሓያል’ዩ ኣምላከይ

Added by Admin

ሓይል’ዩ ኣምላከይ ዋልታይ ክብረተይ’ዩ
መን ኣሎ ሓያል ዝቃወመኒ
ኣምላከይ ከሎ ዝሓየለኒ
ኣምላከይ ከሎ ወትሩ ዘበርትዓኒ (2)

ፈርኦን እንተ ዝዓርድ ግብጺ ክመልሰኒ
በእላፍ ሰራዊት እንተ ከበቡኒ
ሓያል’ዩ ኣምላከይ ንባሕሪ ዝመቅል
ንዓይ ምስ ኣሕለፈ ንፈርኦን ዘጥህል
…….ኣዝ….
ኣስራሒ ክዳን እንተተመክሐ
ንህዝቢ ናይ ኣምላኽ እንተፈራርሐ
ብናይ ሩባ ጸጸር ግንባሩ ክንህሉ
ኣምላክ ሂቡና’ዩ ኩሉ ዝከኣሎ
………ኣዝ…….
ንስሙ ምጽዋዕ ስለ ክብሩ ምስጋድ
በደል እንተኮይኑ ዘደርቢ ካብ ጉድጓድ
በቲ ግሩም ሓይሉ በቲ ብርቱዕ ቅልጽም
ኣፍ ኣናብስቲ ዓጽዩ ተደነቂ ዓለም
……..ኣዝ……..
ብፈተና ዓለም ተወደቅኩ ኣብ ጸልማት
ትንሳኤኡ ተስፋይ ኣይፈርሕን ንሞት
ንሞተይ ብሞቱ ደምሲሱ ዘጥፍእ
ኤልሻዳይ’ዩ ንሱ ክብሪ ዝግብኦ
…….ኣዝ……