Hatiat Keygeberet Keybedelet | ሓጢኣት ከይገበረት ከይበደለት
Added by Admin
ሓጢኣት ከይገበረት ከይበደለት ከላ
ነቲ ሓደ ወዳ ሄሮድስ ክቐትለላ
ካብ ሃገር ክሳድዳ ሃገር ከምዘይብላ
እንታይ’ዩ ኔሩ ሓጢኣት እንታይ ኮን በዲላ
ናይ ኣዳም መድሓኒት ድንግል ማርያም
ንሓደ ወዳ ሒዛ ዞረት ኣብ ዓለም
ሄሮድስ ተንኹሉ ንድያብሎስ ዝስዓበ
ንወዲ ድንግል ማርያም ክቐትሎ ሓሰበ
ጨከነላ እምበር እንታይ ኽሓዝነላ
ንፍጥረት ናይ ዓለም ኣማላዲት ከላ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ኣብ በረኻ ሳህራ እግራ ተለብሊቡ
ብጽምኢ ነቒጻ መዓንጠኣ ተሳሒቡ
ምክልባት ርእያ ከይበለት ንባዕላ
ልባስ ምስ ወዳ ኢዩ ከይቀትሉላ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ነቲ መከራኺ ንኩሉ ስደትኪ
ኣነ ክካፈሎ በዳሊ ወድኪ
ክስደድ ዘለኒ ኣነ’የ ዝነበርኩ
ኣብ ግብሪ ናይ ሰይጣን ስለዝሓበርኩ
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
