Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Haregeweyin(4) | ሓረገወይን(4)

Added by Admin

ሓረገወይን (4) እመብርሃን (2)
ኢሳያስ ነቢይ ዝተነበየላ
ጠቢበ ሰለሙን ርግብየ ዝበላ
ሓፍቲ መላእክቲ ናይ እስራኤል መና
ናይ ኣምላክ ኣዲኡ ኣይትፈለይና….ሓረገወይን
ኣዝ…..
ሓፍቲ መላእክቲ ናይ ሃዋርያት ቤት
ናይ ቅዱሳን ኣክሊል ምርኩስ ሰማእታት
ትንቢተ ነብያት ተስፋ ናይ ኣቦታት
ናይ ተዋህዶ ኣደ ኪዳነ ምህረት……….ሓረገወይን
ኣዝ…..
ጐይታ ዝወለድኪ ቅድስተ ቅዱሳን
ዝተመኩሑልኪ ኣቦታት ንጹሃን
መሰረት ሂወትና ክብሪ ናይ ኩላትና
ሎሚ ከም ትማሊ ኣይትፈለይና….ሓረገወይን
ኣዝ….