Hamushte Hazenat | ሓሙሽተ ሓዘናት
Added by Admin
ሓሙሽተ ሓዘናት ኣዘክሪ ኣደይ (2)
ኣንዉን ይሓዝን ንሙሉእ ህይወተይ (2)
ንጐይታ ብምውላዳ ድንግል ተተሓጎሰት
ኣብ ነብስኪ መከራ ኣሎ ክብላ’ውን ሰንበደት
ሽዑ ድንግል በክያ ነቢዓ ኣምሪራ
ናይወዳ መከራ ስቃያት ዘኪራ
ንግሆ ንጸሎት ቤተመቅደስ ከይዶም
ንጎይታ ሰኣንዎ ኣብቲ ቦታ ደልዮም
ብዙሕ ተጨኒቓ ኣምሪራ ክትነብዕ
ኣብ ሳልስቱ ተረኽበ ክሓትት ክሰምዕ
ኣብ ቅድሚ ጵላጦስ ኢዱ እግሩ ኣሲሮም
ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርኣ ብዙሕ ሃረሙዎ
ናይ ወዳ መከራ ደው ኢላ እናረኣየት
ትበኪ ነበረት ወደይ እንዳበለት /2/
ኣብ መንጎ ሰረቕቲ ጥርሑ ጌሮም
ሰቂሎሞ ዓርቢ ሮብዕ ወሲኖም
ናይ ዝናብ ጐይታ ማይ ከሊኦም
ስተዮ ኢሎም ሓሞት እምጺኦም
ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ንዓና ከድሕን
ናብ ሕቱም መቃብር ወሪዱ ብክብሪ
ብሰላም ገብርኤል ኣቦይ እናበለ
ሓሙሽተ ሓዘናት ዘኪሩ ንዝጸለየ
ዝገበሮ ሓጢያት ይሰረይ እናበለ
