መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Haleluya Belu Ni/r Sebat Ilil Belu | ሃሌሉያ በሉ ንእ/ር ሰባት እልል በሉ

Added by Admin

ሃሌሉያ (2) በሉ
ንእግዚኣብሔር ሰባት እልል በሉ
ንዘምረሉ ነቅርብ ውዳሴ
ሃያል እዩ እሞ ዘልዓለም ሥላሴ

ንኣሽቱ ከለና ልዕል ዘበለና
በእዳው ሰሪሑ ፈጢሩ ኣክቢሩና
ይክበር ንዘልዓለም ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ
ፍጥረታት ዘምሩ ንእግዚኣብሔር ክብሪ

ሰፊሕ’ዩ መንግስቱ ሰላም ዝሰፍኖ
ንሓጥእ ዝምህር ምህረት ዝመልኦ
ኣይክህድገናን’ዩ በፈቃር ኣዕይንቱ
ክቅድሰና’ዩ ሂቡ በረከቱ

ካብ ቤቱ ርሂቅና መንገዱ ክንሃድግ
ንፍቅሩ ዘንጊዕና ግዚኡ ክንሰርቅ
ብምህረት የዒንቱ ንኣና ጠሚቱ
ይጽበየናሎ ክንምለስ ናብ ቤቱ

ኣቤት ተዓዊትና ክንደይ ተዓዲልና
ንኩሉ ዝከውን ኣሎ ፈጣሪና
መራሒ’ዩ መንክር ኣቦ ዘልዓለም
ንክብሪ ዕቤቱ ዝመስልዎ የለን