Haki Bhaki Goyta Tensiu | ሓቂ ብሓቂ ጎይታ ተንሲኡ
Added by Admin
ሓቂ ብሓቂ ጎይታ ተንሲኡ
ተንሲኡ ብኽብሪ ንሞት’ውን ስዒሩ /2/
ንሞት’ውን ስዒሩ ክርስቶስ ተንሲኡ /2/
ንሞት’ውን ሰዒሩ መሰና መቓብር
ካብ ሞት ቦኽሪ ኾይኑ ተንሲኡ ጎይታና /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ሰንደቕ እንተተኣኸበ ሓመድ እንተተረብረበ
እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ’ውን እንተተደራረበ
ምድሪ ኣይኸኣለትን ንኣምላኽ ንምቕባር
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - --
ናይ ነገሰታት ንጉስ ሰማያዊ ጎይታ
ንሞት ዓወት ገይሩ ብሰንበት ተንሲኡ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ተቐዲስና’ሎና ብጎይታና ደሙ
ክብሪ ዝሃበና ኸምኡ’ውን የለን
ህያው’ዩ ዝነብር ንዘለኣለም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
