Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Hakenya Zkhonet Haymanotna | ሓቀኛ ዝኾነት ሃይማኖትና

Added by Admin

ሓቀኛ ዝኾነት ሃይማኖትና
ብደሙ መስሪቱ ኣምላኽ ዘጽንሓልና
ተዋህዶ ንጽህቲ እምነትና
ኣዝ………
ንኣዳም ንሄዋን ተስፋ ዝሃበና
ኣምላኽ ካብ ማርያም ዝተወለደልና
ሓንቲ እያ ሃይማኖት ካልኣይቲ ዘይብላ
ኣዝ………
ንተዋህዶ ክብሉ ቅዱሳን ኣቦታት
ሂወቶም ሰዊኦም ኮይኖም ሰማእታት
ኣረኪቦምና ኣለዉ ቅድስቲ ሃይማኖት
ኣዝ………
ቅዱስ ጊወርጊስ ሊቀ ሰማእታት
ሂወቱ ሰዊኡ ጸኒዑ ብእምነት
ኣርኣያ ክኸውን ንኹሉ ፍጥረታት
ኣዝ………
ንሕና’ውን ኩላትና ከምቶም ኣቦታትና
ክንጸንዕ ይግባእ በዚኣ እምነትና
ምእንቲ ክንረክብ ክብሪ ካብ ኣምላኽና
ኣዝ………