Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Grum Dinki Iyu Amlakhey | ግሩም ድንቂ ኢዩ ኣምላኸይ

Added by Admin

ግሩም ድንቂ ኢዩ ኣማላኸይ
ግሩም ድንቂ ኢዩ ጎይታይ
ሰብ ዝደርበዮ ካብ ምድሪ የልዕሎ ኢዩ
ዝተረስዐ ኣምላከይ ይዝክር ኢዩ

ኣብ ቤተ ሳይዳ ዘልዕለ ኣብ ዓራት ዘሎ
መጺኡ ሎሚ ክረድእ ወገን ንዘይብሉ
እንዳ ሓጥእ ገዛ ይኣቱ ድራር ንክበልዕ
ፈቃር ኣምላክ ኢዩ ዘልዓለም ሰላም ዘይከልእ
ከም እግዚኣብሔር ማንም የለን(2)
ከም ኣምላክናሲ ማንም የለን(2)
ከም ኣማኑኤል ማንም የለን(2)
ከም ፈጣሪና ማንም የለን(2)
………ኣዝ……..
ንዝበደለ ዘይደርቢ ጎይታ ንዒቁ
ፍጹም ርህሩህ ኢዩ ብሓቂ ጎይታ ንደቁ
ምስቲ ሳምራዊ ይውዕል ከም ዓርኪ ኮይኑ
ኩሉ ብፍቕሪ ዝሓስብ እሙን ንሱ ኢዩ
……….ኣዝ………….
ዝተደርበየ ኣልዒሉ ሽሙ የክብሮ
ምሕረት የፍስስ ደምሲሱ ንዝገበሮ
ኣክሊል የልብስ ኣቅንዑ ንዝደነነ
ጸግዒ ይከውን ኣምላከይ ንዝሰኣነ
………ኣዝ…….
የጸናንዖ ንሕዙን ፍቅሩ ለጊሱ
ጭንቂ ዘርሕቅ ኣምላኸይ ኣኽራን ኣፍሪሱ
ካብ ሕጂ የለን ቅድሚኡ ገዛኢ ሲኦል
ንዕኡ ኣሚኑ ዝቆመ ኣብ እግሪ መስቀል
……..ኣዝ…….