መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Goyta Wiletka | ጎይታ ውዕለትካ

Added by Admin

ጎይታ ውዕለትኻ ተኣምርኻ ድንቂ’ዩ
ኣምላኻዊ ቃልኻ ስምኻ ህይወተይ’ዩ /2/
ብሃዋርያት ጌርካ - - - ብዙሕ መኺርካኒ
ስለሓጢያተይ ሞትካ - - - ህይወት’ውን ሂብኻኒ
ኦ ጎይታ ውዕለትካ ተኣምርካ ድንቂ’ዩ
ኣምላኻዊ ቃልኻ ስምኻ ህይወተይ’ዩ
ኣጸናኒዕኻኒ - - - ብጽሕኻ ካብ ሓዘነይ
ኣጆኻ ዝወደይ - - - ኢልኻ ዘልዓልኻኒ
ካብ ዘይጠፍእ ሓዊ ካብ ሞት ዘውጻእኻኒ
ንዓኻ ዝኸፍሎ ጎይታይ እንታይ ኣሎኒ
ሓቀኛ ረዳኢ - - - ወገነይ ንስኻ ኢኻ
ጎይታ ካብ ወዲ ኣደ - - - - ትበልጽ ንስኻ
ምእማን’ውን ምምኻሕ ጎይታ ብኣኻ’ዩ
ዘይትቕየር ኣማላኽ ስምኻ ክቡር’ዩ
ስምኻ ምግበይ ኮይኑ - - - ይጸግብ ጸዊዐ
ፍጹም’ውን ይሕጎስ - - - - ፍቕርኻ ጥዒመ
ብሰማይ ብምድሪ ብነፍስ ብስጋ
ብኣካ ይምካሕ ኣልፋን ኦሜጋ