Gosa Libye | ጎስዓ ልብየ
Added by Admin
ጎስዓ ልብየ ቃል ሰናይ /2/
ወኣንኣ ኤድ ቅዳሴኣ ለማርያም
ኣነስ ናይ ድንግል ውዳሴኣ ክዛረብ’የ
ከም ናይ ኣቦይ ዳዊት ብበገና ክዝምር’የ
ቀትሪ ይኹን ለይቲ ንምስጋና ክተግህ’የ
ናይ ሓው ኣተይ ቁስሊ ንኽትፍውስ ይጽውዓ’የ
ምርኹሰይ ንስኺ ብኣኺ’ውን ይምኻሕ’የ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኦኦ እመ በርሃን ብሓቂ’ውን ንፈትወኺ ኢና
እቲ ናይ ሓቂ መግቢ ንክርስቶስ ዝወለድክልና
ምኽንያት ድሕነት ድንግል ማርያም ንትስፈው ብኣኺ
ብኣማላጅነትኪ ብምእማን ነእዊ ናባኺ
ምሕረት ኣውህብና ድንግል ማርያም ኣዴና ኢኺ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ስለ ለውሃትኺ እመ ብርሃን ኣደይ ንስኺ
ስለ’ቲ ኽብርኺ እመ ብርሃን ተስፋይ ንስኺ
ማይ ኸየብቆሎ ዝዓበየ ናይ ዘለኣለም ህይወት
ሰማያዊ እንጌራ ዘውሃብኽና ቤተልሄማዊት
ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ኖህ መርኸብ ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ’ቲ መርዓ ድንግል ተረኺብኺ
ነቲ ማይ ብምልጃኺ ናብ ወይኒ ዝቐየርኪ
ሎሚ’ውን ህይወተይ እቲ ወይኑ ተወድኢ ኣሎ
ኣደ ኣምላኽ ንጽህቲ ንዓኺ’ውን ይጽበ ኣሎ
ቀድስኺ ምልእዮ ብምስጋና ጥርሑ ኮይኑ’ሎ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
