Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Fluy’yu Kibirkhi | ፍሉይ’ዩ ክብርኺ

Added by Admin

ወላዲት ኣምላክ ማርያም ድንግል
ፍሉይ’ዩ ክብርኪ( 2 X ) ካብ ኩሎም ፉጥራት
እዝ
ብቃሉ ዓለማት ከይተፈጥረልና
ህልውቲ ዝነበርኪ ብእግዚኣቢሄር ህልና
ካብ ሃና ማህጸን ካብ ያቃም ኣብርክ
ኣዲኡ ክትኮኒ መረጸኪ ኣምላክ
እዝ
ካብ መላኣክቲ ኩሎም ትበልጺ ንስኪ
ካብ ደቂ ሰባት ውን የለን ዝመስለኪ
ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣቢሄር ሽምኪ ዝገነነ
ኣይተረከበን ድንግል ከማኪ ዝበለ
እዝ
ነውሪ ዘይብልኪ ንጽህቲ መርዓት
መመክሒት ናትና ንጽህቲ ቅድስቲ
ኣደን ድንግል ወላዲተ ቃል
ዘይትልወጢ ኢኺ ዘለኣለም ድንግል