Fluy Kibri Ztewahbeki | ፍሉይ ክብሪ ዝተዋህበኪ
Added by Admin
ፍሉይ ክብሪ ዝተዋህበኪ ንጽህቲ ክብርቲ
ናይ ነብያት ህገሮምን ንመላእክት
እህ ከነመስግና እህ ከነወድሳ
ካብ ኩለን ኣንስቲ ድንግል ፍልይቲ’ያ
ከነወድሳ……………… ሓፍቲ መላእኽት
ከነወድሳ……………… ኣደ ሰማእታት
ከነወድሳ……………… ኣኽሊል ጻድቃን ኢኺ
ከነወድሳ……………… ልዑቅትን ክብርትን
ከነወድሳ……………… ርህርተ ህሊና
ከነወድሳ……………… እመ ቡዙሓን
ከነወድሳ……………… ቅናት ሰላም ኢኺ
ከነወድሳ……………… ቤዛ ብዙሓን
ኣዝ………
ከነወድሳ……………… ብርሃን ናይ ዓለም
ከነወድሳ……………… መድሃኒት ነብስና
ከነወድሳ……………… ብኣኺ’ዩ ድንግል
ከነወድሳ……………… ድሕነት ዝረኸብና
ከነወድሳ……………… እመ ኣዶናይ
ከነወድሳ……………… ተስፋ ናይ ኩላትና
ከነወድሳ……………… ኣምላኽ ብምውላድኪ
ከነወድሳ……………… ካብ ጸልማት ወጺና
ኣዝ………
ከነወድሳ……………… ናይ ኣዳም በረኸት
ከነወድሳ……………… ተስፋ ናይ ሄዋን
ከነወድሳ……………… መዕረፊት ወደብና
ከነወድሳ……………… ናዛዚት ሕዙናት
ከነወድሳ……………… ይግብኣኪ እዩ
ከነወድሳ……………… ውዳሴ ምስ ክብሪ
ከነወድሳ……………… ኮይንኪ ኢኺ’ሞ
ከነወድሳ……………… ማሕደረ እግዚኣብሄር
ኣዝ………
ከነወድሳ……………… ዙፋን ናይ ልዑል
ከነወድሳ……………… ጸዋሪተ መንበር
ከነወድሳ……………… ናይ ኪሩቤል ኣምሳል
ከነወድሳ……………… ማሕደረ እግዚኣብሄር
ከነወድሳ……………… ብፍሉይ ዝማሬ
ከነወድሳ……………… ከምቶም መላእክት
ከነወድሳ……………… ነዓኺ ነወደስ
ከነወድሳ………………ለይቲ ምስ መዓልቲ
ኣዝ………
