Eti Nimikho (እቲ ንምክሖ)
Added by Mezmur Tewahdo Admin
እቲ ንምክሖ
እቲ ንምክሖ ብእግዚኣብሄር ይኩን
ብሓይሉ ንመካሕ
ንክንድሕን'ውን ኣብ ኢየሩሳሌም
ኣብ መቅደሱ ንጽናሕ
ናብ ቤትና ክኣቱ ይኹሕኹሕ'ዩ ዘሎ
ንሰምዕ እንትለና
ናይ ልብና ማዕጾ ሕጂ ንክፈተሉ
ክነብር ምሳና
ፍጻሜ ሓሳብና ምስጢር ናይ ዓወትና
ስራሕ ኣምላክና እዩ ኣይኮነን ካባና
እሞ ኣይንመካሕ ኣብ ሓይልና ኣይንእመን
ሰለ ሰናይ ግብሩ ንዕኡ ነመስግን(2)
ሓላፊት ሂወትና ናትና ትመስለና
ዋንኣ ይደልያ ኣሎ ነረክቦ ኢና
እፎይታ ክትረክብ ናብኡ ነማዕቑባ
ሓደ ኢልና ንህነጻ ብቓሉ ንንደቃ(2)
ልዕል'ቲ ንሓስቦ ዘፍቅረና ጎይታ
ንጾርና ዝጸረ ክሳብ ጎለጎታ
ሕጂ'ውን እንተኮነ ከራግፍ ሸኸምና
ድሉው እዩ ዘሎ ክሓድግ ሓጢኣትና(2)
ንክርስቶስ ዝገብሮ ምንጪ ናይ ትምክሕቱ
ብትሕትና ይስዕሮ ንወዲት ጸላእቱ
ብሰላም ይንድቅ መንፈስ ይረግእ
ንጭንቀት እዛ ዓለም ሓግሒጉ የውጽእ(2)
