መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Nehase 11, 2018 — Monday, August 17, 2026 ✦ Fast: Tsome Filseta (Fast of the Virgin Mary) — A 15-day fast leading up to the feast of the Assumption of the Virgin Mary.
← All mezmur

Erab Naayni mayat kemtbhgo(ኢራብ ንዓይኒ ማያት ከም ትብህጎ)

Added by Mezmur Tewahdo Admin

ኢራብ ንዓይኒ ማያት ከም ትብህጎ
መሬት ንዝናብ ሰማይ ከም ትጸምኦ
ናባካ'ዩ ልብይ ሃረርትኡ
ስምካ ንዘልኣለም መግበይ ኮይኑ እግዚኣብሄር(3)

እግዚኣብሄር ስምካ

ህብስተ ህይወትዩ ንዝበልዖ
ጽውዓ መድሃኒት ንዝሰትዮ


እግዚኣብሄር ስምካ


ስንቂ ኮይኑኒሎ ንመንገደይ
ኣመቃቒርዎ ንሂወተይ

እግዚኣብሄር ስምካ

ካብ መዓር ካብ ወርቂ ዝሕረይዩ
ንውሽጢ ነብሰይ ውን ሰላምዩ ...እዝ•••

እግዚኣብሄር ስምካ

ካብ ነገስታት ምድሪ ናይዛ ዓለም
ዝመሳሰሎ ውን ከቶ የለን ...እዝ•••

እግዚኣብሄር ስምካ

እናሻዕ ክጽውዕ ይጥዕመኒ
ከምኡ ዝበለሞ መን ኣሎኒ ...እዝ•••

እግዚኣብሄር ስምካ

ኣነስ ክጽውዖ ንዘልኣለም
ጸግዐይ ከውለይ እምባይ ኣብዛ ዓለም..እዝ•••

እግዚኣብሄር ስምካ

ንፋስ ማዕበል ባሕሪ ዝህድዩ
ጽኑዕ ግንቢ ኢዩ ንድሕነሉ ...እዝ•••

እግዚኣብሄር ስምካ

ስምካ ካብ ተሰምየ ኣብ ልዕሌና
መንዩ ዝቃወሞ ዘፍርሓና ...እዝ•••

እግዚኣብሄር ስምካ

ምስ ንስጉም ስምካ ተመርኵስና
ዕንቅፋት የብልናን ኣብ ቅድሜና

...እዝ•••

*ኦ እግዚኣብሄር ስምካ ኦ እግዚኣብሄር*(2)