መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Nehase 11, 2018 — Monday, August 17, 2026 ✦ Fast: Tsome Filseta (Fast of the Virgin Mary) — A 15-day fast leading up to the feast of the Assumption of the Virgin Mary.
← All mezmur

Enehet Eta Emba (እነሀት እታ እምባ)

Added by Mezmur Tewahdo Admin

እነሀት እታ እምባ

እነሀት እታ እምባ ጎልጎል ዓለም ምስ ወዳእካ
ብርሃን በሪሁዋ ኣሎ ናይ ሕይወትና ተስፋ
ብቕኑዕ መንፈስ ንጉየ ብሕብረት
ግልጽ ንድሕሪት ኣይህብን ሕይወት

እነሀት እታ እምባ ጎልጎል ዓለም ምስ ወዳእካ
ብርሃን በሪሁዋ ኣሎ ናይ ሕይወትና ተስፋ
ብቕኑዕ መንፈስ ንጉየ ብሕብረት
ግልጽ ንድሕሪት ኣይህብን ሕይወት


ሓሳብ ናይ ስጋና ሞት እዩ ፍሬኡ
ሓጎስ ናይ’ዛ ዓለም ንፋስ’ዩ ዕድሜኡ
ንጠምት ቅድሜና ንርአ ናብ’ቲ ጎቦ
ኣፍ ደገ ምሕረት እዩ ንዑ ንደይቦ
ኣብ ብዘሎ ጐልጐል ደው ኣይንበል
ኣብ ትምኒታት ጣዕሚ ስጋና
ኣብ ብዘሎ ጐልጐል ደው ኣይንበል
ኣብ መጻወድያ ጸላኢና
ኣብ ብዘሎ ጐልጐል ደው ኣይንበል
ንጥፍኣት ኣሕሊፉ ከይህበና


እነሀት እታ እምባ ጎልጎል ዓለም ምስ ወዳእካ
ብርሃን በሪሁዋ ኣሎ ናይ ሕይወትና ተስፋ
ብቕኑዕ መንፈስ ንጉየ ብሕብረት
ግልጽ ንድሕሪት ኣይህብን ሕይወት


ሰሌዳ ልብና ጻዕዳ’ዩ ፍጥረቱ
ኣይንልከዮ ጸሊም ከይድወን ትርኢቱ
ንቕበሎ ንፍለጥ ንምረጸሉ ሕብሪ
ቅብኣታት ሰዶም ኣይርከቦን ክብሪ
ንድሕሪት ገጽና ግልጽ ኣይንበል
ንሰበይቲ ሎጥ ከይንመስል
ንድሕሪት ገጽና ግልጽ ኣይንበል
ንሓጢኣትና ኣይንናፍቕ
ንድሕሪት ገጽና ግልጽ ኣይንበል
ዓንዲ ጨው ብምዃን ከይንጠፍእ


እነሀት እታ እምባ ጎልጎል ዓለም ምስ ወዳእካ
ብርሃን በሪሁዋ ኣሎ ናይ ሕይወትና ተስፋ
ብቕኑዕ መንፈስ ንጉየ ብሕብረት
ግልጽ ንድሕሪት ኣይህብን ሕይወት


ረኺብና ኣሎና ሞጎስ ናይቲ ልዑል
ፈትዩ ኣሎ ብምሕረት ኣእጋርና ከሰጉም
ንጉየ ደው ኣይንበል ንእቶ ናብ ማሕደሩ
ብሕብረት ነምልኮ ክንከብር ብኽብሩ
ናብ’ታ ቅድስቲ እምባኡ ንህደም
ካብ ድቕድቕ ጸልማት እዛ ዓለም
ናብ’ታ ቅድስቲ እምባኡ ንህደም
ኣብኣ ኣሎ ዘየቋርጽ ብርሃን
ናብ’ታ ቅድስቲ እምባኡ ንህደም
ኣብኣ እያ ዘላ ጸሓይ ዞዓር


እነሀት እታ እምባ ጎልጎል ዓለም ምስ ወዳእካ
ብርሃን በሪሁዋ ኣሎ ናይ ሕይወትና ተስፋ
ብቕኑዕ መንፈስ ንጉየ ብሕብረት
ግልጽ ንድሕሪት ኣይህብን ሕይወት