መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Dinigil Maryam Bezawit | ድንግል ማርያም ቤዛዊት

Added by Admin

ድንግል ማርያም ቤዛዊት
ናይ ዓለም ኩሉ መድሃኒት
ሰኣሊለነ እናበልኩ ንስምኪ እጽውዕ ኣለኩ(2)

ሓያል ፍቅርኪ ማሪኩኒ
ከመስግነኪ ባርክኒ
ከም ኤልሳቤጥ ግበርኒ
ብጽእቲ ክብል ዓድልኒ

ዮውሃንስ ኮይነ ተዝፍጠር
ኣብ ማህጸን ኣደይ ክሰራሰር
ሰሚዐ ድምጺ ሰላምታኪ
ምተበርከኩ ብቃላትኪ

ስምካ ኣባ ኤፍሬም ተትብልኒ
መመስገንኩኪ ባህ ኢሉኒ
ሰኣሊለነ እናበልኩ
ስምኪ ክጽውዕ ምነበርኩ

ከም ቅዱስ ያሬድ ተዝከውን
ከም ኣባ ጊዮርጊስ ተትዕደል
ንዒ ማርያም ንዒ ክብል
ኣቤት ወደይ እናበልኪ
ክትባርክኒ ምመጻእኪ

ከም ቅዱስ ያሬድ ተዝከውን
ምሰባህኩኪ ኩሉ ዘመን
ማህሌት ጌረ እናመስገንኩ
ስምኪ ጸዊዐ ምጸገብኩ