Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Dinigil Haderaki | ድንግል ሓደራኪ

Added by Admin

ድንግል ሓድራኺ ከይጠፍእ ብኸንቱ
ብሓጥያት ኣበሳ ኣብ ሲኦል ከይኣቱ
እነብር ኣለኹ ኣብ ጸልማት ዓዘቕቲ
ተገዚኤ ኣለኹ ንስጋ መዋቲ
ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዕድመይ ዘይፈለጥኹ
ብምድራዊ ህይወት እታለል ኣለኹ
ሎምስ ይኣኽለኒ ናይ ሓጥያት ባርነት
ካብ ኣምላኽ ርሒቐ ዘሕለፍክዎ ህይወት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ድንግል ለምንለይ ዕድመ ንንሰሓ
ከምዚ ኢለ ከለኹ ከይወሰደኒ ናብኣ
ዝብሎ የብለይን ኣባኻ ቀሪበ
ስለ’ዚ ኣብ ጸልማት ጎደሉ ከይድርበ
ብርሃን ዝርእየሉ ካብ ጸልማት ሪሒቐ
እርኢ’ዶ ይኸውን ምስኡ ተዓርቐ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ድንግል ሓደራ’ታ ናይ ፍርዲ ዕለት
ኻባይ ኣይትርሓቒ ክነብር ብህይወት
ሚዛነይ ከይቀልል ከይበዝሕ ሓጥያተይ
ሓደራኺ ድንግል ጽላልኪ ኣውድቕለይ
ንጸልይ ኹልና ንስሓ ኣቲና
መንግስቱ ክንወርስ ከምቶም ኣቦታትና
- - - - - ኣዝ - - - - - -