Dinigil Abti Gze | ድንግል ኣብቲ ግዜ
Added by Admin
ድንግል ኣብቲ ግዜ (2) ሓዘንኪ ብዚሑ(2)
ንሓደ ወድኺ ነቲ ርህሩህ ጎይታ
ሰቒሎሞ ኣይሁድ ኣብ ዕጸ ጎልጎልታ
ናይ በደላት በደል በጺሕዎ ጸሚአ ክብለኪ
ንከልቢ ዘስተኺ ብወርቂ ሳእንኺ (2)
ኣዝ…..
ክሰግዎ ኣንስቲ ኣብቲ’ግዜ ራህሪሁ ልብኺ
ንፍጡር ብምሕዛን ማይ’ዃ ዘስተኺ (2)
ኣዝ…..
ጸሚአ እንዳበለ ኣብቲ’ግዜ ክዛረብወድኺ
ከመይ ኪእልዎ እቲ ርህሩህ ኣሙዕትኪ (2)
ኣዝ…..
ከም ክረምቲ ዝናብ ኣብቲ’ግዜ ክወርድ ንብዓትኪ
መን ኣሎ ንዓኺ ዘጸናንዓኪ (2)
ኣዝ…..
ክትበኺ ሪኡኪ ኣብቲ’ግዜ እቲ ሓደ ወድኺ
ንየውሃንስ ናዛዜ ከም ወዲ ሂቡኪ (2)
ኣዝ…..
