መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Des Ybelena | ደስ ይበለና

Added by Admin

ደስይበለና (2) ሎሚ/2/
ኣሕዋትናውን ሎሚ ሓደ ኣካል ኮይኖም
ደስውንይበለና ይክበር መድሃኔ ዓለም
ደስይበለና…መን ከም እግዚኣብሄር
>> መን ከምቲ ኣምላክና
>> ኣብ ሓዘን ኣብሓጎስ ንሱ ዘጽንዓና
>> ክብሪ ንእኡ ይኹን
>> ነቲ ርሕሩሕ ጎይታ
>> ነዚኣ መዓልቲ ባሪኹ ዝህበና
ደስይበለና……. ጥበበኛ ንጉስ
>> በዓል ጸጋ ኣምላክ
>> ሎሚ ንመርዓና ባሪኹልና ጎይታ
>> ኣይበዝሖን ምስጋና
>> ‘’ ውዳሴ
>> ነዚ ንዝሃበና ናይ ኣብርሃምስላሴ
ደስይበለና……. ክልተ ዝነበሩ
>> ሓውናን ሓብትናን
>> ሓደ ኣካል ኮይኖም ብቅዱስ ቁርባን
>> ዕልል እንዳበልና
>> ንዘመር ንኣምላክና
>> ነዚ ክቡር ቃልኪዳን ስለዘፈጸመና
ደስይበለና……ነዚ ክቡር ቃልኪዳን
>> ንዘፈጸመ ኣምላክና
>> ውዳሴ ነቅርበሉ ኣብ ቤቱ ተረኪብና
>> ክሳዕ መፈጸምታ
>> ንከጽንዓልና
>> ረድኤት ቅዱሳን ኣይፈለየና
ደስይበለና…..ዕልል ንበለሎም
>> ሎሚ ንመርዑትና
>> ከቢሮም ኢዮም እሞ ኣብ ቅድሚ ኣምላክና
>> ንሱ ከም ኣብርሓም
>> ንሳውን ከም ሳራ
>> ብፍቅሪ ሓድነት ይንበሩ በሰላም