Demiku Abirhulna | ደሚቁ ኣብርሁልና
Added by Admin
ደሚቑ ኣብርሁልና ስራሕ ናይ ጎይታና /2/
ኮይኖሙልና መርዑ ኣብርሃም ወሳራ
ብቤተ ክርስትያን ጽላል ተኽሊሎም
መርዓትን መርዓዊን ቅዱስ ተኽሊል ጌሮም
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዝተዋህቦም
መርዓትን መርዓውን ብርሃን ኾይኑ ገጾም
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ክልተ ዝነበሩ ሓደ ኾይኖም ብተኽሊል
እግዚኣብሄር ይመስገን እልል እልል ንበል
ናይ ህያዋን ኣደ ሄዋን ዝተበህልኺ
ናይ ኣዳም ስብኸቱ ሎሚ ተራኢኺ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ብቤተ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኾም
ብስጋ ወደሙ ኸም ሓደ ሰብ ኾይኖም
ነዚ ንኽንርኢ ኣምላኽ ዘብቅዓና
ምስጢር ንዘብርህ ንስውእ ምስጋና
