Demena Elyas | ደመና ኤልያስ
Added by Admin
ደመና ኤልያስ ማሕቶት ናይ ዘካርያስ
ኣኽሊል ሰለሙን መሰንቆ ዳዊት
ደመና ናይ ኖህ መርከብ ኢኪ
ደመና ናይ ያቆብ መሰላል
ደመና ርህርህተ ሕልና
ደመና ኣደ ኣማኑኤል
ደመና ሙሴ ዝርኣያ
ደመና ናይ ሲና ነበልባል ደመና
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ደመና ነዛዚተ ዮሴፍ
ደመና ናይ ኢያሱ ሃወልት
ደመና ናይ ሳሙኤል ቅቡእ
ደመና ሙዳየ እፍረት
ደመና ንስኪ እንድኪ
ደመና ማህደረ መለኮት ደመና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ደመና ናይ ኣብርሃም ሂሩት
ደመና ጸምሪ ናይ ጊድዎን
ደመና ናይ ኤልያስ መና
ደመና ድንግል ሃረገ ወይን
ደመና ናይ ኣቤል ለውሃት
ደመና ናይ ኣዳም መድሕን ደመና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - --
ደመና ናይ ሙሴ ጽላት
ደመና ናይ ህዝቅኤል ምስራቅ
ደመና ኣደ ናይ ኩላትና
ደመና ድንግል ዕጸ ሳቤቅ
ደመና ቅድስተ ቅዱሳን
ደመና ማርያም መሶበ ወርቅ ደመና
