Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Bwerik Kelem Tetsahifki | ብወርቅ ቀለም ተጻሒፍኪ

Added by Admin

ብወርቂ ቀለም ተጻሒፍኪ
ድንግለይ ንዓይ ተዋሂብኪ
ከኽብረኪ’የ እመቤተይ
ተስፋ ጽዮነይ ናይ ሂወተይ

ተሰንኪለ ንከይወድቅ
ዘይቲ ቀንዲለይ ንከይጽንቀቅ
ድንግለይ ኩንለይ ብዙሕ ዋጋ
ንከይወድቀኪ ኣብ ሓደጋ

ዘሎ ዝመስሎ ዝወደቐ
ናይ ክብሪ ስፍራ ዝበቐቐ
ቀኒዑ ርኤ ንዓኺ ሒዙ
በትሪ ምልጃኪ ተሞርኪሱ

ዓሪቐ ድንግል ከይተርፈኪ
ካብ ክብሪ ጎይታ ከይጠፍእሲ
ኣማሕጽንኒ ናብ ወድኪ
ወድኪ ኢዩ ‘ሞ ዕላማይ

እንተ ኣቅኒዕክለይ ንጉልበተይ
ትባርክለይ ንሕይወተይ
ንጽህቲ ክብል’የ ዘውትር
ስሌኪ ይክበር እግዚኣብሔር