Bkulu Mlui Godelo Zeyibilka | ብኩሉ ምሉእ ጎደሎ ዘይብልካ
Added by Admin
ብኩሉ ምሉእ ጎደሎ ዘይብልካ
ውዕለትካ ብዙሕ የለን ዝመስለኻ
ኤልሻዳይ ኢኻ እግዚኣብሔር ኣዶናይ ኢኻ ጎይታ(2)
ኩሉ ፍጥረታት ዝፈጠርኻ
ንዝለመነ ዝሰምዓኻ
ሓያል ኢኻ እግዚኣብሔር ጎይታ
ዝመስለካ የለን ንዓኻ
….ኣዝ……
ጸጋን ምሕረትን ኣብ ቅድሜኻ
ፍቅርን ሰላምን ኣብ መቅደስካ
ብፍቕሪ ትጥምት ባሮትካ
ትዕግስትን ለውሃትን መሊእካ
…….ኣዝ……
ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ
ማያት ኣብ ኢድካ ዝዓሞክካ
ግብርካ ዘይምርመር’ዩ እግዚኣብሔር
ትነብር ኣብ ልዕሊ ቺሩቤል
……..ኣዝ…….
ንሞት ስዒርካ ዝተንሳእካ
መፍትሕ ገነትን ሲኦልን ዘለካ
ኦ እግዚኣብሔር በይንካ ኢካ
ዝመስለካ የለን ንዓካ
……..ኣዝ……
ተኣዊጁለይ ናጽነተይ
ከምልከካ ኢየ ብሒወተይ
ናይ የዒንተይ ገፈል ወጺዑለይ
ብከመይ ኣብ ልዕለይ ወደቀለይ
…….ኣዝ……..
ብደማስቆ ብርሃን መጺእካኒ
ናትካ ምሩጽ ኣቅሓ’ውን ጌርካኒ
ናይ ከንቱ ድካመይ ሓሊፉ
ልበይ ብፍቅርካ ተሰኒፉ
………ኣዝ…….
