መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Bjeka Mikael | ብጀካ ሚካኤል

Added by Admin

ብጀካ ሚካኤል ዘጽንዓኒ የለን
ረዳኢየይ ንሱ እዩ ኣብ እዋን ጸገመይ
ሓዘነይ በዚሑ……….. ብጀካ ሚካኤል
ረዳኢ ዘይብለይ ኣብ እዋን ስደተይ
ሰላም ካባይ ርሒቑ….. ብጀካ ሚካኤል
ጭንቀተይ በዚሑ ኣብ መላእ ኣካላይ
ሎሚስ ኣጽኒዑኒ ….. ብጀካ ሚካኤል
ሚካኢል መጺኡ ኣርሒቑ ጸላእተይ
ሚካኤል’ዩ
ናይ ዳዊት ረዳኢ ካብ ጎልያድ ዘድሓኖ ….ሚካኤል እዩ
መንፈሳዊ ሓይሊ ጽንዓት’ውን ዝሃቦ ……ሚካኤል እዩ
ኣዝ………
ቃል ኪዳነ ጉሩም……….. ብጀካ ሚካኤል
ንዝክሩ ዘኪሮም ስሙ ዝጸውዑ
ኣጋንንት ኣውጺኡ…….. ብጀካ ሚካኤል
ድርሳኑ ክንበብ ስእሉ ኣብ ዘለዎ
በረኸት ይረኽቡ……….. ብጀካ ሚካኤል
ብኡ ተማህጺኖም እንተለመንዎ
ሚካኤል’ዩ
በትረ መስቀል ሒዙ ንዓይ ዝሕልወኒ….ሚካኤል’ዩ
ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ዘውትር ዘድሕነኒ..ሚካኤል’ዩ
ኣዝ………
መንገድና ኩሉ……….. ብጀካ ሚካኤል
ንሱ ይመርሓና ቀልጢፉ ይረድኣና
ንፈርኦን ስዒሩ……….. ብጀካ ሚካኤል
ብብርሃን መሪሑ ካብ ግብጺ ኣውጺኡና
ባሕሪ ናይ ኤርትራ… ብጀካ ሚካኤል
መቒሉ ኣስጊሩና ከንኣን ዘብጽሓና
ሚካኤል’ዩ
ካብ በልኣም መርገም ንእስራኤል ዘድሓነ….ሚካኤል’ዩ
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክብሩ ዝገነነ……..ሚካኤል’ዩ
ኣዝ………