Biztefetewe Misgana | ብዝተፈተወ ምስጋና
Added by Admin
ብዝተፈተወ ምስጋና ቅድሜኪ ክቀውም
ኣደ ጎይታና ኢኪ ሞ ኣነ ክምህጸነኪ
እመቤተይ ማርያም ሰላምታ ንዓኪ (2)
ቲ ናይ ሓዘን ልብሲ ሕጂ ኣውዲቀ
ናይ ሓጎስ ናይ ጽድቂ ብኣኪ ዓጢቀ
ክዝምር ኢየ ናይ ዓወት ዝማሬ
ጥዑም ውዳሴ መሊኡ ኣብ ከንፈረይ
………..ኣዝ………
ኣማኑኤል ጎይታ ምሳና’ውን ኮነ
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ምሕረቱ ሰፈነ
……….ኣዝ………
ማዕረገይ ኢኪ ክብረይ መጎሰይ
ተጽንእያ ድንግል ንስኺ ንነብሰይ
ኣደ ዘይብሉ ይሃዝን ይበኪ
ንብዓተይ ተደሪዙ ድንግል ብኣኪ
ጌናሎ ጌና ብዙሕ ብዙሕ ነገር
ካብ ልበይ ዝምንጭው ብዛዕባኪ ዝነግር
……….ኣዝ……..
ሓዚነ ጉሔ ደኪመ ይውዕል
የጽንዓኒ ስምኪ ናትኪ ጽላል
መከራይ ይጎድል ማርያም (2)ክብል
ሃዘን ኮነ ጭንቀት ብስምኪ ይገልል
ንናይ ፍትው ጸጋ ኣምላክ ዝሃብኪ
እመቤተይ ማርያም ሰላምታ ንዓኪ
