Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Bisimka Teamine | ብስምካ ተኣሚነ

Added by Admin

ብስምካ ተኣሚነ ኣይትግደፈኒ
ንጸላእየይ ሰይጣን ኣይትሃበኒ
ሰላመይ ኢካ ጎይታይ ሓጎስ ዕረፍተይ
መንገደይ ኣቅንዓለይ ንበር ኣብ ጎነይ

ዋላ ምድሪ ተበቆለት ፍረ ዘይብሉ
መከራ ተወሓዘ ሞተይ ኣኪሉ
ሰይጣን እንተጓዘመ ዘበልዖ ደልዩ
ሰብ እንተጸልኣኒ ካባይ ተፈልዩ
ንስኻ ኣለኻኒ ጎይታይ ልዕሊ ኩሉ
……….ኣዝ……..
ካብ ፈተና ተውጽእ መድሓኒ ኢኻ
ንጸልማት እተሰግር ብርሃን ንስኻ
ክጸናናዕ እነብር ንብዙሕ ዘመነይ
ኣብ ምርኾ እንከለኩ ኣብ ምድሪ ኣትማን
ከይመትኹ እንብር ብኣኻ ይእመን
………ኣዝ……..
ምሕረትን ቸርነትን ሰራዊትካ ኢዮም
ይቅሬታን በረከርን ህዝብኻ ኢዮም
ተበጃውየይ ገንሸል ኣምላክ እስራኤል
ሰላምካ ኣውርደለይ ተመስገን ክብል
ዘልዓለም ክነብር ኣብ ኢየሩሳሌም
……….ኣዝ…….
ይቅሬታ ንክመሃር ኣባይ ዘየለ
ልበይ ንክጸናናዕ ብዝሓየለ
ብጽዽቂ ናይ በረኸት ኣብ ቤትኻ ዘሎ
ህይወተይ’ውን ንጉሰይ ብእኡ ከልሎ
ሰይጣን ከይስዕረኒ ብመስቀል ከልክሎ
………ኣዝ………