Birhan Zlebese | ብርሃን ዝለበሰ
Added by Admin
ብርሃን ዝለበሰ ኣብ ሰማይ ዘሎ /2/
ከም እግዚኣብሔር ዋላ ሓደ የለን/2/
ንማያት ብኢዱ ዝሰፈረ
ንብዝሒ ጎቦታት ዝመጠነ
ንሰማያት ብስድሪ ዝለከኣ
ዘመነ ብዘመን ዝተከኣ /2/
ኣዝ
ቅድሚ ዓለም ዝነበረ
ንኩሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ
ኣብ ከባብ ምድሪ ዝቅመጥ
ኩሉ ክልወጥ ንሱ ዘይልወጥ/2/
ኣዝ
ከሃሊ ንኩሉ ዝፈልጥ
ፈታሒ ስርሑ’ውን ረቂቅ እዩ
ንዓለም ፈጢሩ ዝገዝአ
መዓቱ ዝራሓቀ ምሕረቱ ዝበዝሐ/2/
ኣዝ
ዙፋኑ ዝጸንዐ ብሰማይ
ኩሉ ዝካኣሎ ኣዶናይ
ንዘመን ፍጻሜ ዘይብሉ’ዩ
ኣልፋና ኦሜጋን ኣምላክና’ዩ/2/
ኣዝ
