Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Birhan Wetsiu | ብርሃን ወጺኡ

Added by Admin

ብርሃን ወጺኡ ካብ መስቀሉ ዘንጸባርቕ /2/
ናይ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን ሓቀኛ ዕርቂ
ደስ ይበለና ብትንሳኤ ብርሃን
እልል ንበል ኹላትና ብሓድነት
ተንሲኡልና ናይ ዓለም መድሃኒት
ኣብ ቅድሚኡ ብምስኣሉ ናይ መስቀሉ ነገር
ንዝፈትዎ ሃዋርያ ናይ ወንጌል መምህር
ዮሃንስ’ውን ስቕለቱ ብምርኣዩ በኽየሉ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ
ኣሕዚንዎ ሞቱ ስቅያቱ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ዕሽነት’ዩ ንዝጠፍኡ መሰናኽሎም
ብናይ ዓለም ጥበብ ንዝነብሩ ሓቂ ጠፊእዎም
ንጠብብ ሰብ ብመንፈስ ንዝነብር
ናይ ምድሓን ሓቀኛ ምልኽት’ዩ
ካብ ገሃነም ሓዊ ዘድሕን’ዩ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ክሳብ ሞቱ ዘይተፈልዮ ቅዱስ ሃዋርያ
ንዮሃንስ ንወንጌል ሰብ ነቲ ቅዱስ ኣቦ
ምስጋናና ካብ ምድሪ ይብጽሓዮ
ንብል ብዝሃበና ኣብነቱ
ክርስትያናት (ሰባት) ኩልና ንሰዓቦ