Bimnet Dhinom (ananya Azarya) | ብእምነት ድሒኖም (ኣናንያ ኣዛርያ)
Added by Admin
ብእምነት ድሒኖም ካብ እሳት ነበልባል /2/
ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል
ናቡኸደነጾር ንጉስ ባብሎን
መስልዎ ኔሩ ኣምላኽ ዘየድሕን
ብእምነት ጸኒዖም ህጻናት እስራኤል
ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ናይ ጣኦት
ኣይንሰግድን ኢሎም ስለስቱ ህጻናት
እምነቶም ገሊጾም ኣብ ኣምላኽ ልዑል
ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
እምነቶም ገሊጾም ሰልስቱ ህጻናት
ዋላ ተዘየድሓነና ካብ እቶን እሳት
ኣይንፈርሕን ኢና ሙማት ብሃይማኖት
ኢሎም መስከርሉ ስለስተ ህጻናት
ኣናንና ኣዛርያ ሚሳኤል
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ንቃሎም ስሚዑ ናቡኸደነጾር
ናብ እቶን ደርብይዎም ኢሉ ክጭድር
ጽንዓቶም ሪዩ ልዑል እግዚኣብሄር
መልኣኽ ልኢኽሎም ናብ’ቲ ነበልባል
ገብርኤል ባርኽዎም ብመስቀል
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
