Bimihret Biyikreta | ብምሕረት ብይቅሬታ
Added by Admin
ብምሕረት ብይቅሬታ ዝኣካከበና ጎይታ
ፍቅሪ’ዩ ዘልዓለም ከም እግዚኣብሔር የለን
ኢድ ጸላኢና ሰይሩ ባሕሪ መቂሉ ኣስጊሩ
ምድሪ ርስቲ ሂቡና ባሪኹ ንማዕርግና
ሰይጣን ክሳዱ ደፍአ ዕረፍትና’ውን ሰፍሐ
ኣእተወና ኣብቲ ክንፊ ኣኻኺቡ ብፍቅሪ
…………ኣዝ…………..
መን’ዩ ንዕኡ ዘይፈልጥ ንግሆ ምሸት ዘይናፍቕ
ኩሉ ግዜ’ውን ንዓና ብሓቂ ዝፈተወና
ክንወድቕ ዘተንሰአ በደልና ዝረሰዐ
ኣቦ ኮይንና ብሓቂ ዘይለወጥ ዘይኩሪ
……….ኣዝ…………
ናይ ሲና ሓዊ ሙቐት ኣየሕለፈናን ንሞት
ክፍኣትን ሓጥያትን ፍጹም ኣይትረፈናን
መዓልቲ ብደመና ለይቲ ብብርሃን ፋና
ናብ ሕቑፍኡ ኣእትዩና እናመገበ መና
………….ኣዝ……..
