መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Beza Kulu | ቤዛ ኩሉ

Added by Admin

ቤዛ ናይ ኩሉ ቤዛ(2)
ወገናቱ ብደሙ ገዝአ
ኣማኑኤል ህዝቡ ኣብዝሐ

ቀራንዮ ኣብቲ ዓቢ ጎቦ
ኣፍቂሩና ንሕና ክንስዕቦ
ገሊጹልና ፍቅሩ ብጾም
ዝሞተልና መድሃኒ ዓለም
…….ኣዝ……..
ዋጋ ሂቡ ነብሱ ከፊሉ
ፈቲሁና ሰይጣን ኣሲሩ
ካሕሳ ኮነ ስሌና ዕዳ
ኣይገደፈናን ኣብ ምድረበዳ
……..ኣዝ…….
ነዚ ፍቅሩ ኣይትረስዑ
ከተመስግኑ ብሕብረት ንዑ
ኪዳኑ’ዩ ዘናብረና
ትም ኣይበል ኣንደብታትና
…….ኣዝ…….
ንመከራ ዝተበጀወ
ስለ ህዝቡ ደሙ ከዓወ
ኣይገዝኣናን መቃብር ሞት
ፈቂዱልና ሓድሽ ህይወትን
………..ኣዝ……..