መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Beti Natu Hayli | በቲ ናቱ ሓይሊ

Added by Admin

በቲ ናቱ ሓይሊ ብክርስቶስ ኩሉ ክክእሎ’የ (2)
መከራ እንተመጸ ንጽቡቕ እዩ ክብሎ’የ
ፈተና እንተመጸ ንሰናይ እዩ ክብሎ’የ
ብገመድ ኣሲሮም ባሕሪ እንተጥለቁኒ
መከራ ኣብዚሖም እንተ ጨነቁኒ
ንጽቡቕ እዩ’ለ ተስፋ ክገብር እየ
ዝበልካኒ ይኩን ክግዝኣካየ
(ኣዝ)
ኣልፋን ኦሜጋን ህያው ኢካ ጎይታ
ፍቅርካ በዙሕ እዩ የብሉን መሰታ
መጎስ ኮይኑኒ’ሎ ስምካ ምጽውዐይ
ካብ ዝጓዝም ሰይጣን ድሒና ህይወተይ
(ኣዝ)
ብብዙሕ መከራ ጉልበተይ ደኪሙ
ሓዘን ከዊሉኒ ተስፋይ’ውን ጸልሚቱ
ዝኮነ እንተኮነ ንዓካ ከክብር
ጸጋካ ሃበኒ ከመስግን ክዝምር
(ኣዝ)
ሃገረይ ገዲፈ በረካ ምካደይ
ናብ ሃገረ ባዕዲ ርሑቅ ምስዳደይ
ንጽቡቅ’ዩ ኢለ ተስፋ ክገብር’የ
ከይጠፍእ ከይወድቕ ሓይልካ ሒዘ’የ
(ኣዝ)