Bereket Alewo | በረከት ኣለዎ
Added by Admin
በረከት ኣለዎ ማርያም እቲ ናትኪ ሽም
ኣዲኡ ኢኪ’ሞ ንኣምላኽ ወሃቢ ሰላም
ቃልኪዳንኪ ብዙሕ ኣዲና ንዒ ማርያም
ንስኺ እንዲኺ ኣዲኡ ንመድሃኒ ኣለም
ኣደ መድሃኒ ኣለም ልእልቲ ቤዛዊተ ኩሉ
ብኣኺ ይድሕኑ ምእመናን ካብ መከራ ኩሉ
ኣዝ….
ኩሉ ዝፈትወኪ ድንግል ወሃቢተ መና
ኣብ መስቀል ውዒሉ ወድኺ ንዓኺ ሂቡና
እንተኾንኩ ድኹም ድንግል ምግባረ ሂወተይ
ኣደይ እንዳበልኩ ክዝምር ብጸጋ ልሳነይ
ኣዝ….
ሓሳበይ ድኩም እዩ ማርያም ሓጥያት ዘታለሎ
ንዓኺ ከመስግን ክውድስ ዘይብል ተኽእሎ
ነብሰይ ተላዕሊ ዘምሪ ኣቕርቢ ምስጋና
ንሱ እያ ትደሊ ማርያም ኣላይት ንዓና
ኣዝ….
ብብዝሒ ሓጥያትና ድልግል ሰላም ሲኢና
ትንቢቱ ከይፍጸም ካባና ኣይትርሓቕና
ዕጫ ሰዶምን ጎመራ ንዓና’ውን ከይበጽሓና
ካብ ፍቁር ወድኪ ማርያም ምሕረት ለምንልና
ኣዝ….
