Begenay Yelil Aleku (በገናይ የልዕል ኣለኹ)
Added by Mezmur Tewahdo Admin
በገናይ የልዕል ኣለኹ
በገናይ የልዕል ኣለኹ
ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልታ
ብቕኔ ማህሌት ዉዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዝኣብሄር
ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ክጽዉዕ ስሙ
ኣይርብርብን'የ ጌና(2)
ተላዒለ ክዉርዉር ድምጺ ምስግና
ከናፍረይ ኣፈልፊለ
ተላዒለ
ልሳነይ ትምስክር ኣላ
ብርሃኑ ርእየ ዓጊበ
ተላዒለ
እግረይ ናብ ቅዱስ መቕደስካ
እንሆ ኣንጊሀ ይግስግስ
ተላዒለ
ከም ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ
ብምስጋና ይመላለስ
ንዑ ንሕበር ንምስጋና
ንዑ ንሕበር ንዉዳሴ
ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ
ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ(2)
በገናይ የልዕል ኣለኹ
ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልታ
ብቕኔ ማህሌት ዉዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዝኣብሄር
ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ክጽዉዕ ስሙ
ኣይርብርብን'የ ጌና
ክዝምር'የ
ሂወተይ ኣብ ፍቕሩ የንሳፍፍ
ልበይ ፍጹም ተመሲጡ
ክዝምር'የ
ትእዛዙ ሓጎስ ሂቡኒ
ምንባረይ ምስኡ ጥዒሙ
ክዝምር'የ
ዉሽጠይ ሰላም መሊእዎ
ብጸጋ ዓብዩ ሂወተይ
ክዝምር'የ
ዘልኣለም ክኸዉን ናቱ
ፍቕሩ ፍቕሪ ኣሕዲሩለይ
ንዑ ንሕበር ንምስጋና
ንዑ ንሕበር ንዉዳሴ
ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ
ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ(2)
በገናይ የልዕል ኣለኹ
ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልታ
ብቕኔ ማህሌት ዉዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዝኣብሄር
ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ክጽዉዕ ስሙ
ኣይርብርብን'የ ጌና
ከመስግን'የ
ክስለፍ ቆይመ ንኽብሩ
ምስኡ ክነብር ጸኒዐ
ከመስግን'የ
ብሳህሉ ኣሳልዩኒ
ብእኡ ደው ክብል በቒዐ
ከመስግን'የ
በገናይ ከልዕል ክቓኒ
ክዝክር ዓቢ ዉዕለቱ
ከመስግን'የ
ካብ ዉሽጢ ልበይ ዝወጸ
ምስጋናይ ክበዝሕ'ዩ
ንዑ ንሕበር ንምስጋና
ንዑ ንሕበር ንዉዳሴ
ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ
ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ(2)
በገናይ የልዕል ኣለኹ
ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልታ
ብቕኔ ማህሌት ዉዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዝኣብሄር
ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ክጽዉዕ ስሙ
ኣይርብርብን'የ ጌና
