Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Befetena Tsnai | በፈተና ጽናዕ

Added by Admin

በፈተና ጽናዕ ብመከራ ጽናዕ
ልዕል እግዚኣብሔር ክሳብ ዘርሕቀልካ/2/
ኢዮብ ተፈቲኑ ብዙሑ ተጨኒቁ
ተዓጊሱ’ዩ’ሞ ምስጋና ረኪቡ
ዓለም ትምኒታን ንኩሉ ስዒሩ
እግዚኣብሔር ይመስገን ሃሌ ሉያ ኢሉ
ኣዝ
ተገፋዒ እንበር ኣይቱኩን ገፋዒ
ጎይታ ክህበካ ናይ ዘልኣለም ክብሪ
ትዕግስቲ በዚሑ ዋላ እንተ መረረ
ፍሪኡ ጥዑም’ዩ ኣዝዩ ዝመቀረ
ኣዝ
ኩሉ ኣብዚ ዓለም ኢዩ’ሞ ተራፊ
ቂም ሒዙ ከይሓልፍ ኩነኒ ደጋፊ
ኣብ ግዜ ፈተና ኣብዚሐ ክጽሊይ
ጎይታ መድሃኒኣለም ሓይልካ ሃበኒ ኣዝ