Bedileka’ye Yikre Beleley | በዲለካ’የ ይቅረ በለለይ
Added by Admin
በዲለ ካ’የ ይቅረ በለለይ ጎይታየ
ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብዙሕ እዩ በደለይ/2/
ጠምት ረኣየኒ ብሓጥያት ማሲነ
ነዛ ጸልማት ዓለም ግዙእ ናታ ኮይነ
ስለዚይ ጎይታይ ይቅረን’ዶ በለኒ
ስለ ወላዲትካስ ኣምላኽ መሓረኒ/2/
(ኣዝ)
ምሳኻ ንዝተሰቅለ ፍያታዊ ዘየማን
ዝሃብካዮ ተስፋ ብዘይዕጸፍ ልሳን
ነዓይ’ውን ጎይታየ ተስፋኻ ሃበኒ
በደለኛ እዩ/ያ/ ኢልካስ ኣይትጸየፈኒ
(ኣዝ)
ክንደይ’ከ ይልውህ ይርህርህ ትልብኻ
ነቶም ዝሰቀሉካስ ይቅረ ብምባልካ
ነዓይ ንባርያኻ’ውን ሓጥያት ዝበዝሓኒ
ኣብ ዳግማይ ምጻኣትካ ኣይትረሳኒ
(ኣዝ)
