Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Bedile Iye | በዲለ ኢየ

Added by Admin

በዲለ እየ(2) ናትካ ውዕለት ረስዔ
ቸር ኣምላክ መሓረኒ ናባኻ መጽኤ(2)
ካብ ገዛኻ ወጺኤ ጸልማት ወሪሱኒ
ዓለም ገዲፋትኒ ሰይጣን ስሒቁኒ
በዲለ እየ ጎይታ ሕጂስ መሓረኒ
ይኣኽለኒ ዓለም ቤትካ ይሕሸኒ
(ኣዝ)
ብዙሑ በዲለካ ሓጥያት’ውን ገበርኩ
ሕጅስ ይኣክለኒ ብዙሕ ተጣዓስኩ
ኣብ ዓለም ካብ ምንባር ተፈልየ ካብኻ
ይሕሸኒ ምንባር ወዲቀ ኣብ ቤትካ
(ኣዝ)
ሓዘነይ በርቲዑ ንብዓት እንተነባዕኩ
ኣብዛ ጸልማት ዓለም በይነይ ከርተት በልኩ
ወዲ ድንግል ጎይታ መድሃኒ ዓለም
መሓረኒ ንዓይ ስለ ኣዴካ ማርያም
(ኣዝ)
መሓረኒ ኢካ’ሞ ሃበኒ ምሕረትካ
ቸር ኣምላክ ኢካ’ሞ ርሑቅ ዝማዓትካ
ስለቶም ቅዱሳን ሰለ ሰማእታትካ
ማሓረኒ ንዓይ ኣንጽሃኒ ኢካ
(ኣዝ)