Bebotat Lmena Iski Kilimneki | በቦታት ልመና እስኪ ክልምነኪ
Added by Admin
በቦታት ልመና እስኺ ክልምነኪ
ኣነ’ሞ ከመይ ገረ ደው ክብል ቅድሜኪ
ኣቤት ናትኪ ነገር ክሓስቦ ይደንቀኒ
ምድረ ሰማይ ፍጥረት ዘይክእሎ ጼርኪ
መላእኽት’ዃ ኣክናፍ ኣለዎም መከላኸሊ
ንስኺ ግን ድንግል ንመለኾት ጼርኪ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ተመጊብካዮ ስምኪ ዘይምኖ’ዩ
ነዚ እንድዮም ኣቦታት ዓለም ዝመነኑ
ማርያም ማርያም ይብሉ ዘውትር ኣብጸሎቶም
ንዓኺ ተቐኒቶም ስዒሮም ንዓለም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ክምሕጸን ደቅኺ ነቶም ዘስመሩኺ
ሰለኦም ኢልኺ ወደይ ክትብልኒ
መዓስ ወድኺ ኾይነ ግብረይ ኽፍኡ’ምበር
ብሳላኺ እንድየ ህይወት ዝዕደል
ከይወጠንኹዎ ገዳምኺ ትወስድኒ
ሕቡእ ሚስጥር ከኣ ኣብኡ ትምህርኒ
ሕራይ ነቦታትስ ስለዘስመሩኺ
ንዓይ ግን ንበደለይ ሰናይ ምዒድኽኒ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
እቶም ብፍቕርኺ ዝተሰለቡልኪ
ማህሌትኪ ቅዳሴኪ ዝደረሱልኪ
ስሞም ጸዊዐ ክምሕጸነኪ
ዓሰቢ ናታቶም ክፈልኒ ኢኺ
