መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Beal Wileta’yu | በዓል ውዕለታ’ዩ

Added by Admin

በዓል ውዕለታ’ዩ (2) ካብ ሓመድ ኣልዒሉ
ሓጥእ ዝነበርኩ ተመስገን ጎይታይ

ኣፍደገ ተዓጽወ ስምኦን ጨከነለይ
ሃንደበት ተከፍተ ልበይ መሊኡለይ
ናብኡ ክቀርብ ኣዚዙኒ ጎይታይ
እግሩ ሓጽበዮ ወዲቀ ብምብካይ (2)
……..ኣዝ……..
ናይ ቀረጽ ሓለቃ እንተኮነ ስርሀይ
ካብ ገረብ ክወርድ ኣዚዙኒ ጎይታይ
ነጥ ኢረ ወረድኩ መሊአ ብሓጎስ
ቤተይ ተባሪኩ ብኢየሱስ ክርስቶስ
………..ኣዝ……….
ኣይሁድ ከበቡኒ እምኒ ተሰኪሞም
ብብዝሒ ሓጢኣተይ ሓጢኣቶም ረሲዖም
ሕልና ዝወቅሳ ኣምላክና መለሰ
ሰላሙ ሂቡኒ ንጉስ ዘልዓለም (2)
…………ኣዝ……….
መድሓኒ ዓለም ዝገበሮ ንዓይ
ኣብ ኩሉ ዘመነይ ዝረህርሃለይ
ፍቅሩ ተሰኪሙ ናይ ሰማያት ጎይታ
ኣይፍለይን’ዩ ክሳዕ መወዳእታ(2)
………..ኣዝ………..