Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Balem Knebir Nabra Zhasemo | ብዓለም ክነብር ናብራ ዝሓሰሞ

Added by Admin

ብዓለም ክነብር ናብራ ዝሓሰሞ
ኣምላኽ ፍለየሉ ፍቕሪኻ ኣጥዕም
ህወትን ጥበብን መንገድ ዝኾንኻ
መሓረና ጎይታ ኣኽብ ንደቅኻ
ኣብ ዓለም ጸንሑ ብእከይ ብሓጢኣት
ናባኻ ዝመጸ ኽትዕድሎ ምሕረት
ንልምን ንዓኻ ሕያዋይ ጓሳና
ኣባግዕኻ ኣክብ ይምላእ መሕደርና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ህውኽ ንዝኾነ ልቡ ንዘይዓርፍ
ጽንዓት ኣዝዘሉ ግዜ ከይሓልፍ
ኣፈደገ ኣባግዕ ሕያዋይ ጓሳና
ናባና ተመለስ መንገዲ ምርሓና
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ብሓቂ ኽንከይድ ህይወት ክበዝሓልና
ብምሕረት ኣእዳውኻ ኣምላኽ ጓስየና
ነቲ በዓል ዓስቢ ግደ ንዘይብሉ
ጎይታ ኣይትሕደገና ኣብ ኢኹያት ተዃሉ
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - -
ህይወትኻ ተሕልፍ በጃ ኣባጊዕኻ
ኣብ’ቲ ልሙዕ ሸኻ ኣዋፍር ህዝብኻ
ደግም ድሕሪ ሕጅ ዕረፍቲ ረኺብና
ብናይ ህይወት ጓሳ ብኣኻ ኣሚንና
- - - - - - ኣዝ - - -