Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Azekri Dinigil | ኣዘክሪ ድንግል

Added by Admin

ኣዘክሪ ድንግል ኣዘክሪ
ንጎይታ ሓብሪ ኣዘክሪ
ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን
ከም ዝወለድክዮ - - - - - - - - ኣዘክሪ
ኣብ ቤተልሔም - - - - - - - - ኣዘክሪ
ከምዘደቀስክዮ - - - - - - - - - ኣዘክሪ
ኣብ መበልዕ ማል ደምበ - - - - ኣዘክሪ
ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
በቲ ግዜ ቁሪ - - - - - - ኣዘክሪ
ከምዝገበርግሉ - - - - - ኣዘክሪ
ናይ በጊዕን ላምን - - - - ኣዘክሪ
እስትንፋስ ምኩሉ - - - - ኣዘክሪ
ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኣብ በረኻ ምስሪ - - - - - - - ኣዘክሪ
ከምዝተሰደድኪ - - - - - - - ኣዘክሪ
ናይ’ቲ መሬት ሃሩር - - - - - ኣዘክሪ
‘ቲ ኩሉ ጸገምኪ - - - - - - - ኣዘክሪ
ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኣብ መከራ ቦታ - - - - - - ኣዘክሪ
ንብዓት ከምዘፍሰስኪ - - - - ኣዘክሪ
ገነት ንኽንኣቱ - - - - - - - ኣዘክሪ
ንዓና ደቅኺ - - - - - - - - ኣዘክሪ
ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -